መርዓ ኣብ ጀርመን
መርዓ ኣብ ሂወት ሰብ ኣገዳሲ ፍጻመ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ኩለን ሃገራት ሓዳር ንምትካል ዘብቅዕ እንተ ወሓደ ክብጻሕ ዝግብኦ ዕድመ ኣሎ። እቲ ዝውቱር ዕድመ ከኣ 18 ዓመት እዩ። ናይ መብዛሕትኦም ሰባት ግና፣ ብፍላይ ከኣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ መርዓ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ከይተበጽሔ እዩ ዝፍጸም። ምናልባሽ ንስኺ' ኸ ሓንቲ ካብኣተን ' ዶ ትኾኒ? ኣብ ናይ 15 ወይ 16 ዓመት ዕድመ ወይ እውን ኣብ ካብኡ ዝተሓተ ዕድመ ምምርዓው ብዙሕ ምክንያት ክህልዎ ይኽእል።
- ባህሊ ሃገርኩም ከምኡ ስለ ዝኾነ ስድራኺ ንዓኺ ዝከውን በዓል ሓዳር'ዶ ረኺቦሙልኪ እዮም?
- ካብ ሃገርኪ ተሰዲድኪ ወጺእኪ (ምስ ስድራኺ ብምምኻር ) በዓል ሓዳር ዝያዳ ድሕነት ዘውሕስ እዩ
ብምባል' ዶ ውሳነ ወሲድኪ ትኾኒ? - ምምርዓውኪ ንቤተ ሰብኪ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምርካብ ንምኽኣል ኣድላዪ' ዶ ነይሩ' ዩ?
- ንኽትምርዓዊ ተገዲድኪ'ዶ ኢኺ? ወይውን ክትቃወሚ ኣይከኣልክን ኢኺ? ምግዳድ ማለት ብዘይድልየትኪ ሓደ ነገር ምፍጻም ማለት እዩ።
- ናይ 18 ዕድመ ኣይመላእክን ግን ቤተ ሰብኪ መርዓ ይምድቡልኪ ኣለዉ'ዶ እዮም?
- ናይ 18 ዕድመ ኣይመላእክን ግን ንዓርክኺ ክትምርዓዊ ትደልዪ'ዶ ኣለኺ ኢኺ?
ንሓንቲ ካብዘን ኣብነታት ብ "እወ" እንተ ደኣ መሊስኪያ ኴንኪ፣
ብክብረትኪ ምንባብ ቀጽሊ። እዚ ሓበሬታ ንዓኺ ዝጠቅም እዩ።
ሕጊታት ኣብ ጀርመን
ዕድመ ምምርዓው ኣብ ጀርመን
ቀንዲ ነገር:
- ኣብ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ናይ 18 ዓመት ዕድመኺ ክትምርዓዊ ኣይፍቀደልክን።
- ዕድመኺ ትሕቲ 18 ዓመት ከሎ ቤተ ሰብኪ መርዓ እንተ ኣዳለዉልኪ፣ ናይ መቕጻዕቲ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ።
- ንዓኺ ሓገዝ ይግበረልኪ። ኣብ ቤት ጽሕፈት መማኸርቲ ተሌፎን ክትድውሊ ትኽእሊ ኣብኡ ንዓኺ ዝርድኣኽን ዝሕግዛኽን ደቂ ኣንስትዮ ይርከባ።
ኣብ ትሕቲ 16 ዓመት ዕድመይ ከለኹ እንተ ተመርዓውኩ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል?
ቀንዲ ነገር:
- ክትምርዓዊ ከለኺ ዕድመኺ ትሕቲ 16 ዓመት እንተ ደኣ ነይሩ፣ መርዓኺ ኣብ ጀርመን ተፈላጥነት የብሉን።
- ክልተ ፍሉይ ኩነታት ግና ኣሎ፤
1. ንስኺ ቅድሚ 22. 07 2017 ናይ መበል 18 ዕድመኺ መሊእኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ቃል ኪዳንኪ ኣብ ጀርመን ተፈላጥነት ኣለዎ።
2. ቅድሚ ናብ ጀርመን ምምጻእኪ ናይ መበል 18 ዕድመኺ መሊእኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ቃል ኪዳንኪ ኣብ ጀርመን ተፈላጥነት ኣለዎ። - ናብ ጀርመን ብዘይ ቤተ ሰብኪ መጺእኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ንዓኺ ካልእ ሰብ ናይ ሓልዮት ሓላፍነት ይወስደልኪ። እዚ ሰብ'ዚ መጉዚትኪ እዩ። መጉዚት፣ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ክኸውን ይኽእል። መጉዚትኪ ሰበይቲ ክትከውን'ዶ ትደልዪ ኢኺ? ድልየትኪ ኣነጺርኪ ግለጺ። ሞግዚት ኣብ ክንዲ ቤተሰብኪ ኮይኑ ሓላፍነት ዝወስደልኪ ሰብ እዩ።
- ሕቶታት እንተ ደኣ ኣልዩኪ ናብ ቤት ጽሕፈት መማከርቲ ክትድውሊ ትኽእሊ። ኣብኡ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ክሕግዛኺ እየን።
ጓል 16 ወይ 17 ዓመት ከለኹ ተመርዕየ እንተ ነበርኩ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል?
ቀንዲ ነገር:
- ክትምርዓዊ ከለኺ ጓል 16 ወይ 17 ዓመት እንተ ደኣ ኔርኪ ብቐዳምነት መርዓኺ ተፈላጥነት ይረክብ፣ እዚ ማለት ከኣ ቅቡል ይኸውን ማለት'ዩ።
- ሕጂ 18 ዓመት ዘይመላእኪ እንተ ኾንኪ ግና ቃል ኪዳንኪ ይለዓል። ምልዓል ቃል ኪዳን ከም ምፍታሕ ማለት ኢዩ። ኣብ ጀርመን ከኣ ከም ዘይምርዕውቲ ትፍለጢ።
- ኣብ ዝተጠቕሰ ዘይኣትው ክልተ ፍሉይ ኩነታት ኣሎ።
1. ሃገርኪ ኣባል ሕብረት አውሮጳ'ዶ እያ? ከምኡ እንተ ደኣ ኮይኑ ቃል ኪዳንኪ ምናልባሽ ተፈላጥነት ክረክብ ይኽእል እዩ።።
2. ኣብ ኣዝዩ ቀረባ ግዜ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ክትመልኢ'ዶ ኢኺ? ድልየትኪ እንተ ደኣ ኮይኑ ቃል ኪዳንኪ ምናልባሽ ተፈላጥነት ክረክብ ይኽእል ይኸውን። - ድሮ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ዝመላእኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ቃል ኪዳንኪ ይቐጽል ወይ ኣይቐጽል ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ።
ትሕቲ 18 ዓመት ከለኹ እንተ ተመርዓውኩ ካብ ጀርመን ክወጽእ' ዶ ይግደድ እየ?
ቀንዲ ነገር:
- ዋላውን ክትርመዓዊ ከለኺ ናይ መበል 18 ዓመት ዕድመ ዘይመላእኪ እንተ ነበርኪ ካብ ጀርመን ንኽትወጽኢ ኣይትግደድን።
- ሰብኣይኪ ናይ ዑቕባ መሰል እንተ ረኸበ ወይ ናይ ስደተኛ ተፈላጥነት እንተ ተዋህቦ፣ ንዓኺውን ከምኡ ይፍቀደልኪ።
- ኣብ ጀርመን መስርሕ ሕቶ ዑቅባ ዝተሓላለኸ እዩ። ብዝሓሸ ደገፍ ትረኽብሉ መገዲ ድለዪ።
ጥንስቲ ወይ ኣደ ቆልዑ እንተ ኾንኩ እንታይ የጋጥመኒ?
ቀንዲ ነገር:
- ኣብ ጀርመን ዋላውን ኣብዚ ንዘይተወልዳ ኣዴታት ሓገዝ ይግበረለን።
- ንቃል ኪዳንኪ ተፈላጥነት እንተዘይተዋህቦ፣ ውላድኪ ብሓላፍነትኪ ናይ ምዕባይ መሰል ኣለኪ። እዚ ኸኣ ንስኺ ናይ ደቅኺ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ይህልወኪ ማለት እዩ። ሰብኣይኪ ሽዑ ንሽዑ ናይ ከም ኣቦ ተፈላጥነት ኣይህልዎን። ንስኺ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ክሳዕ ትመልኢ ንደቅኺ መጉዚት ይግብረሎም። መጉዚትኪ ኣብ ከቢድ ጉዳያት ይሕግዘኪ። መጉዚት ሰበይቲ ወይ ሰብኣይ ክኾኑ ይኽእሉ። መጉዚትኪ ሰበይቲ ክትኮነልኪ'ዶ ትደልዪ ኢኺ? ድልየትኪ ኣነጺርኪ ግለጺ።
- ቃል ኪዳንኪ እንተ ተላዕለ፣ ኣቦ ደቅኺ ሽዑ ንሽዑ ከም ኣቦ ይፍለጥ። ክልቴኹም ከኣ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት መሰል ይህልወኩም። እዚ ኸኣ ክልቴኹም ናይቶም ቆልዑ ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ይህልወኩም ማለት እዩ።
ናይ መማኽርቲ ቤት ጽሕፈታት ኣብ ጀርመን
ኣብ ጀርመን ቀልጢፈን ንዝተመርዋን፣ ክምርዓዋ ንዝተገደዳን መንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ዘማኽራ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ። መማኸርቲ ከመይ ገይረን ክሕግዛኺ ከም ዝግብአን ኣጸቢቐን ይፈልጣ እየን። ኣብ ጎንኺ ከኣ እየን ደው ዝብላ። ስምኪ ከይገለጽክለን እውን ክሕግዛኺ ይኽእላ እየን። እዚ ማለት ከኣ ሽዑ ንሽዑ ስምኪ ክትነግርየን ኣይትግደድን ማለት እዩ፡፡
ምናልባሽ ጋና ቋንቋ ጀርመን ዘይመልኽኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝመልካ እየን፣ ወይውን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ትኽእል፣ ኣብ ልዕሊ ንጀርመን ናትኪ ቋንቋ እውን ትኽእል ተርጓሚት ከምጽኣልኪ ይኽእላ። ደገፍ ክትጠልቢ ከኣ መሰልኪ ኢዩ።
ገለ ናይ መማኸርቲ ቤት ጽሕፈታት ደሊናልኪ ኣለና።
መሰል ህጻናት ኣብ ጀርመን
ስለምንታይ ደኣ እዩ ኢዚ ሓድሽ ሕጊ'ዚ ኣድልዩ? ምኽንያቱ ርዱእ'ዩ፡ ንዓኽን ንኩሎም ካልኦት ቆልዑን መንእሰያትን ከኣ እዩ ተገይሩ። ኣብ ጀርመን መሰላት ህጻናት ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። መሰላት ህጻናት ክበሃል ከሎ ህጻናት ናይ ገዛእ ርእሶም መሰላት ኣለዎም ማለት እዩ። ሓድሓደ ግዜ መሰላት ህጻናት ልዕሊ መሰላት ወለዲ እዮም። ስለዚ'ውን ወለድኺ ኩሉ ንዓኺ ዝምልከት ጉዳይ ክውስኑ ኣይክእሉን። ንኣብነት ንመን ክትምርዓዊ ከም ዘልኪ ክውስኑ ኣይክሉን፣ ብፍላይ ከኣ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ከይመላእኪ ከለኺ።
ኣብ ትሕቲ 18 ዕድመ ዓመት ዝግበር ቃል ኪዳን ኣብ ጀርመን ብሻቕሎት እዩ ዝረኣይ። ብሃንደበት ኣብ ደረጃ ዓበይቲ ትስርዒ ኣለኺ ማለት እዩ። ምስኡ ተተሓሒዙ ኸኣ ጾር ኸኣ ኩሉ ሓላፍነታትን ዕዮታትን ኣለዎ። እዚ ንዓኺ ልዕሊ ዓቕምኺ ኮይኑ ክከብደኪ ይኽእል።
እቲ ቀንዲ ነገር፡ ኩሎም ህጻናት ክጻወቱን ናጻ ኮይኖም ክዓብዩን ተኽእሎታት ክህልዎም ኢዩ። ከምኡውን ክመሃሩ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ጀርመን ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ዘሎ። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ቆልዓን፣ መንእሰይን ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽኸይድ ይግደድ ማለት እዩ። ኢዚ ግዴታ ኢዚ ዋላውን ነቶም ኣብ ጀርመን ዘይተወልዱ ቆልዑ ዝምልከት እዩ።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕኪ ዝደልዩን፣ እናተገደሱ ንክሕግዙኺ ዝሰርሑን መማህራን ኣለዉ። ስለዚውን ሻቕሎትን ጸገምን ክህልወኪ ከሎ ካባቶም ሓገዝ ክትሓቲ ትኽእሊ።
ኣብ ገዛኺ ንዘጋጥመኪ ዓበይቲ ጸገማት፣ (ንኣብነት ማህረምቲ) ፖሊስ እውን ክሕግዙኺ ይኽእሉ። ምስ ወለድኺ ግርጭት እንተ ደኣ ኣለኪ እውን ፖሊስ ይድግፉኺ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ብፍላይ ንህጻናትን መንእሰያትን ተመሳሳሊ ሓገዝ ይወሃብ።
ቴር ደፋም TERRE DES FEMMES
TERRE DES FEMMES (ቴር ደፋም) ብ1981 ዝተመስረተ ናይ መንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ኢዩ። ንመንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ንድግፍ። እዚውን ብግብሪ ንሕግዝ ማለት ኢዩ። ዋላ ሓደ ወይ ዋላ ሓንቲኳ ኣይፈለጥናን ከይብል ንኹሎም ሰባት ብዛዕባ ኣብ ርእሲ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ንሕብር። ፖለቲከኛታት ንመንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ዝጠቅምን ካብ ዓመጽ ዝከላኸልን ሕጊታት ንኽሕግጉ ጠለብና ነቕርብ።
ንመንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ዘሐይል ፕሮጀክትታት ንድግፍ፣ መሰላተን ከኣ ነረድአን። ኣብ ወጻኢ ሃገራት እውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ፕሮጀክትታት ንድግፍ። ካብ ጀርመን ወጻኢ ማለትና ኢና። ካብ ዝኾነ ተመርኳስነትን ተጸጋዕነትን ከኣ ናጻ ኢና። ኩሉ ሳዕ ከኣ ኣብ ጎኒ መንእሰያትን እኹላትን ደቂ ኣንስትዮ ደው ንብል።