Was passiert, wenn ich mit 16 oder 17 Jahren geheiratet habe?

ጓል 16 ወይ 17 ዓመት ከለኹ ተመርዕየ እንተ ነበርኩ እንታይ ከጋጥመኒ ይኽእል?

ናይ 18 ዓመት ዕድመ ኣይመላእክን፣ ጓል 16 ወይ 17 ዓመት ከለኺ'ዶ ግን ተመርዒኺ?
ብቐዳምነት ቃል ኪዳንኪ ተፈላጥነት ኣለዎ፣ እዚ ከኣ ቅቡል እዩ ማለት እዩ። እንተኾነ ኣብ ጀርመን ዝኾነ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ክምርዓው ኣይፍቀደሉን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ቃል ኪዳንኪ ኣብ ጀርመን ክለዓል ይግብኦ። ምልዓል ቃል ኪዳን ማለት ከም ምፍታሕ ማለት እዩ። ድሕሪ ምልዓል ቃል ኪዳን ኣብ ጀርመን ከም ዘይምርዕውቲ ኢኺ ትፍለጢ።

ኣብ ዝተጠቕሰ ዘይኣትው ሒደት ፍሉይ ኩነታት ኣለዉ።
ሃገርኪ ኣባል ሕብረት አውሮጳ'ዶ እያ? ከምኡ እንተ ደኣ ኮይኑ ቃል ኪዳንኪ ምናልባሽ ተፈላጥነት ክረክብ ይኽእል ይኸውን።
ኣብ ኣዝዩ ቀረባ ግዜ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ክትመልኢ'ዶ ኢኺ? ድልየትኪ እንተ ኮይኑ ቃል ኪዳንኪ ምናልባሽ ተፈላጥነት ክረክብ ይኽእል ይኸውን።
ድሮ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ዝመላእኪ እንተ ደኣ ኴንኪ፣ ቃል ኪዳንኪ ይቐጽል ወይ ኣይቐጽል ባዕልኺ ክትውስኒ ትኽእሊ። ነዚ እውን ፈራዲ ወይ ፈራዲት ቤት ፍርዲ ይቕበልዎ።

  ናይ 18 ዓመት ዕድመ ከይመላእኪ ብዘይ ወለድኺ ኣብ ጀርመን ትርከቢ እንተ ደኣ ኣለኺ ካብ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ሓገዝ ትረኽቢ። ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ንቆልዑን ንመንእሰያትን ሓላፍነት ዝወስድ መንግስታዊ ኣካል እዩ።
ብዛዕባ መርዓ ካብ ናይ ስድራኺ ዝተፈልየ ርእይቶ እንተ ደኣ ኣልዩኪ፣ ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ይድግፈኪ። ካብ ቤት ጽሕፈት መማኸርቲ ደገፍ ትረኽቢ። ኣብ ቤት ጽሕፈት መማኸርቲ ምስ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ምዝርራብ ትኽእሊ።

ክሳዕ ቃል ኪዳን ዝለዓል ንስኺ እንተ ደለኺ ጥራይን፣ ንሱ ከኣ ኣብ ልዕለኺ ናይ ዓመጽ ተግባራት ዘይፍጽም እንተኾነን፣ ምስ ሰብኣይኪ ሓቢርኪ ክትጸንሒ ትኽእሊ። ወይ እውን ኣብ መቐመጢ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ክትዕቆቢ ትኽእሊ። ኣብ መዕቆቢ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ (ኣዋልድ) ማለት እዩ።

ምልዓል ቃል ኪዳን ኣብ ጀርመን ጥራሕ ተፈላጥነት ይህልዎ። ምልዓል ቃል ኪዳን ኣብ ልዕለኺ ኣሉታው ሳዕቤናት የብሉን።

ናይ 18 ዓመት ዕድመ መሊእኪ ቃል ኪዳንኪ ክለዓል ትደልዪ'ዶ? እምበኣር ምስ በት ጽሕፈት መማኸርቲ ተራኸቢ።

ጥንስቲ ወይ ኣደ ቆልዑ'ዶ ኢኺ? ዋላ ኣብ ከምዚ ኩነታት እውን ሓገዝ ትረኽቢ ኢኺ። ሕጂ ኣብዚ ከተንብቢ ትኽእሊ።