Was passiert, wenn ich schwanger bin oder schon Kinder habe?

ጥንስቲ ወይ ኣደ ቆልዑ እንተ ኾንኩ እንታይ የጋጥመኒ?

ቆልዑት እንተ ደኣ ኣልዮሙኺ ወይ ከኣ ጥንስቲ እንተ ደኣ ኴንኪ ኩነታትኪ ቀሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ናብ ጀርመን ካብ ወለድኺ ተፈሊኺ እንተ ደኣ መጺኢኪ። ግን ከኣ ኣጆኺ በይንኺ ኣይኮንክን፣ ኣብ ጀርመን ነዴታት ልዑል ሓገዝ ይግበረለን እዩ! ዋላ እውን ነተን ኣብዚ ዘይተወልዳ ወይ ከኣ ዘይዓበያ ኣዴታት። ንኣብነት ብፍላይ መንእሰያት ኣዴታት ምስ ደቀን ዝቕመጣሉ መዕቆቢ ኣሎ።

ቃል ኪዳንኪ ተፈላጥነት' ዶ ኣይረኸበን እዩ?
ከምኡ እንተ ደኣ ኮይኑ ንስኺ በይንኪ ናይ ደቅኺ ናይ ምዕባይ መሰል ኣለኪ። ናይ ምዕባይ መሰል፣ በቲ ነቲ ህጻን ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ይውሰን ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ወለዲ እዮም።
ሰብኣይኪ ብዘይ ገለ መስርሕ ኣቦ ተባሂሉ ክፍለጥ ኣይከኣልን። ንኣቦነቱ፣ (ወግዓዊ ኣቦ ከም ዝኾነ) ግና ከም ዝፍለጠሉ ክገብር ይኽእል። ንኣብነት ብቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ኣቢሉ።  ኢዚ ከኣ ግዜ ይወስድ ። ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት መንግስታዊ  ትካል እዩ። ዕዮኡ ከኣ ንህጻናትን መንእሰያትን ምድጋፍ  እዩ። ቤት ጽሕፈት ሓልዮት መንእሰያት ነቲ ኣቦነት ምስ ፈለጦ ክልቴኹም መሰል ምዕባይ ይህልወኩም።

  ክሳዕ ንስኺ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ትመልኢ ንደቅኺ መጉዚት ይግበረሎም። መጉዚት ንደቅኺ ሓላፍነት ይውስደሎም።   መጉዚት ሰበይቲ ወይውን ሰብኣይ ክኸውን ይኽእል። ከም መጎዚት ሰበይቲ ክትኮነልኪ'ዶ ትመርጺ? ድልየትኪ ኣነጺርኪ ግለጺ። መጉዚት ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ይሕግዝ። ኣብ ትሕቲ ናይ 18 ዓመት ዕድመ ትርከቢ እንተ ደኣ ኴንኪ ንኹሉ ነገራት ክትፍርሚ (ክትክትሚ) ኣይትኽእልን። ነዚ መጉዚት ምሳኺ እናተማኸረ ይፍጽሞ።  ንስኺ ዘይብሉ ውሳነ ግና ክገብር ኣይክልን። ንደቅኺ  ብቐጻልነት ከም ትኣልይዮም ኸኣ ርዱእ ኢዩ።

ቃል ኪዳንኪ'ዶ ተላዒሉ'ዩ?
ሰብኣይኪ ከም ኣቦ ደቅኺ ይፍለጥ። ክልቴኹም መሰል ምዕባይ ይህልወኩም።  እዚ ከኣ ክልቴኹም ሓላፍነት ምዕባይ ናይ ደቅኹም ትወስዱ ማለት እዩ።
መሰል ምዕባይ ናይ በይንኺ ክኸውን'ዶ ትደልዪ ኢኺ? ነዚ ዝውስን ቤት ፍርዲ እዩ። ኣብዚ ኸኣ ጋና ኣብ ትሕቲ ናይ 18 ዓመት ዕድመ እንተ ደኣ ሃሊኺ፣ መጉዚትኪ ይሕግዘኪ።