Heirat in Deutschland

ዕድመ ምምርዓው ኣብ ጀርመን

ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ጀርመን ናይ 18 ዓመት ዕድመ ዘየእከለ ሰብ ክምርዖ ኣይፍቀደሉን ዝብል ስርዓት ኣሎ። ምስዚ ስርዓት እዚ ዝጻረር ዝኾነ ፍሉይ ምኽንያት የለን። ቤተ ሰብኪ ዝበሉ እንተ በሉ፣ ናይ ጀርመን ዜግነት ይሃልውኪ ኣይሃሊዉኪ ዘገድስ ኣይኮነን። ንትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ማንም ሰብ ኣብ ጀርመን መርዓ ኣይፍቀድን እዩ።

እዚ ምኽልካል እዚ ንሃይማኖታውን ባህላውን መርዓ እውን ይምልከት። ቤተ ሰብኪ እምበኣር መርዓ ወይ ሕጸ እንተ መደቡን ኣጋይሽ እንተ ዓደሙን ኣንጻር ሕጊ እዩ።  ስለዚ እውን ናይ መቕጻዕቲ ገንዘብ ይኸፍሉ። ምናባባሽ እውን ካብ   ጀርመን ከም ዝወጽኡ ይግበር። ስለዚ ኣቐዲምኪ ምስ ቤተ ሰብኪ ምዝርራብ ጠቓሚ እዩ። ኣብ ጀርመን መርዓ ትሕቲ 18 ፍቑድ ከም ዘይኮነ ኣረድእዮም። ነዚ ዝርርብ እዚ ንምፍጻም ሓገዝ ክትሓቲ ትኽእሊ።  ንኣብነት ካብ ቤት ጽሕፈት መማኸርቲ ንሕና 16 ቤት ጽሕፈታት መማኸርቲ ኣለዋና። ምእንቲ ክትርእይዮ ኣብ'ዚ  ታሕቲ ጽሒፍናልኪ ኣለና። ኣብ ቤት ጽሕፈት መማኸርቲ ዝሕግዛኺ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ይርከባ።

ዛጊት ተመርዒውኪ' ዶ ኢኺ? እምበኣር ምንባብ ቀጽሊ!