Muss ich Deutschland verlassen, wenn ich unter 18 geheiratet habe?

ትሕቲ 18 ዓመት ከለኹ እንተ ተመርዓውኩ ካብ ጀርመን ክወጽእ' ዶ ይግደድ እየ?

ኣይትፍርሒ። ቃል ኪዳንኪ ተፈላጥነት ስለ ዘይብሉ፣ ወይ ከኣ ስለ ዝተላዕለ ጥራሕ፣ ካብ ጀርመን ክትወጽኢ ኣይትግደድን ኢኺ።
ሰብኣይኪ ናይ ዑቕባ መሰል እንተ ረኸበ፣ ወይ ከም ስደተኛ ተፈላጥነት እንተ ተዋህቦ'ሞ ናይ ምንባር መሰል እንተ ረኸበ፣ ንዓኺውን እዚ መሰል እዚ ይፍቀደልኪ! ምክንያቱ ኣብ ሃገርኪ ቃል ኪዳንኪ ብቐጻልነት ተፈላጥነት ኣለዎ። ስለዚውን ንስኺ ከም በዓልቲ ቤቱ  ኣብኡ ንዓኺ እውን እቲ ሓደጋ ይምልከተኪ እዩ።

ኣብ ጀርመን መስርሕ ጉዳይ ዑቕባ ኩሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኮነን።  እቲ ዝበለጸ ደጋፊ እንተ ሃለወኪ እዩ።  ስለዚውን ሓጋዚ   ርኸቢ። ምስ ትኣምንዮ ሰብ ተዘራረቢ። ብዙሕ ሓበረታት ዝርከቦ መርበብ ኢንተርነት እውን ኣሎ። ፕሮ ኣስዩል  „Pro Asyl“ ከኣ ይበሃል። ኣብዚ ኸኣ ትረኽብዮ: www.proasyl.de/en/.